• Sunrise At: 5:05 am
  • Sunset At: 7:14 pm
contact@birhanacademy.com +(00) 123-345-11

ናብ ብርሃን ኣካደሚ እንካዕ ብደሓን መጻእኩም

ደቂ ሰባት ሆይ ! ብርግጽ ካብ ጎይታኹም መርትዖ መጺኩም ኣሎ :: ናባኻትኩም ድማ ግልጺ ዝኾነ ብርሃን ኣውሪድናልኩም :: (ቅዱስ ቁርኣን) يَا أَيُّهَا النَّاسُ قَدْ جَاءَكُم بُرْهَانٌ مِّن رَّبِّكُمْ وَأَنزَلْنَا إِلَيْكُمْ نُورًا مُّبِينًا

ሃይማኖታዊ ፍልጠት

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕላማ ናይ ብርሃን ኣካደሚ እምበ ኣር : ንደቂ ሰባት እስላማዊ ኣስተምህሮ ብምሃብን ምስ ቅዱስ ቁርኣን ብምርኻብን ናብ'ቲ ልዑል ዝኾነ ሓደ ጎይታ ኣላህ ብምጽዋዕ ሓያልን ድልዱልን እምነት ዘለዎም ኣመንቲ ምፍራይ እዩ ::

ዓለማዊ ፍልጠት

ከምቲ ቅዱስ ቁርኣን ዝብለና : ኩሎም ኣብዚ ዓለም ዘለው ፍጡራት ንደቂ ሰባት ኢሎም ስለዝተፈጠሩ : ኣዝዮ ሓያል ዝኾነ ዓለማዊ ፍልጠት ዘልዎም ኣመንቲ ምፍራይ ::

ማሕበራዊ ርክባት

ኣዝዩ ምዕቡል ዝኾነ ብምስልምናዊ ስነ ምግባር ዝተደገፈ ማሕበራዊ ርክባት ክገብሩ ዝኽእሉ ኣመንቲ ምፍራይ

ቁጠባን ፊናንስን

ዝለዓለ ቁጠባዊ መነባብሮ ዘለዎም ኣመንቲ ጥራይ ዘይኮኑስ ንኻልኦት ሰባት ቁጠባዊ ሓገዝ ከበርክቱ ዝኽእሉ ኣመንቲ ምፍራይ

ዳዕዋ

ንነብሶም ኣብነታውያን ኣስላም ኮይኖም : ንኻልኦት ደቂ ሰባት ብስነ-ምግባሬኦምን ብመልሓሶምን ናብቲ ትኽክለኛን ንናይ ዘልኣለማዊ ዓወት ዝመርሕ ምስልምና ዳዕዋ ወይ መጸዋዕታ ክገብሩ ዝኽእሉ ኣስላም ምፍራይ ::

ጥዕና

ምሉእ ኣካላውን ስነ ኣእሙራውን ጥዕና ዘለዎም ኣመንቲ ምፍራይ ::

عَنْ أَبِي عَبْدِ الرَّحْمَنِ عَبْدِ اللَّهِ بْنِ عُمَرَ بْنِ الْخَطَّابِ رَضِيَ اللَّهُ عَنْهُمَا قَالَ: سَمِعْت رَسُولَ اللَّهِ صلى الله عليه و سلم يَقُولُ: " بُنِيَ الْإِسْلَامُ عَلَى خَمْسٍ: شَهَادَةِ أَنْ لَا إلَهَ إلَّا اللَّهُ وَأَنَّ مُحَمَّدًا رَسُولُ اللَّهِ، وَإِقَامِ الصَّلَاةِ، وَإِيتَاءِ الزَّكَاةِ، وَحَجِّ الْبَيْتِ، وَصَوْمِ رَمَضَانَ".

رَوَاهُ الْبُخَارِي وَمُسْلِمٌ

ዓንድታት ምስልምና

ዓንድታት ምስልምና ኣብ ሓሙሽተ ይኽፈሉ:: እዞም ዝስዕቡ ድማ እዮም ::

  • ምስክርነት

    እምነት
  • ሰላት

    ስግደት
  • ሰውም

    ጾም
  • ዘካት

    ምጽ‘ዋት
  • ሓጅ

    ንግደት

ንዝያዳ ኣስተምህሮ ቅድመ-ጠለብ ግበር

[contact-form-7 404 "Not Found"]

ብርሃን ኣካደሚ - Copyright 2021, መሰል ደራሲ ዝተሓለወ እዩ::